BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
Tigrinya Top Stories
ቅትለትን ጭውያን ትግራይ፡ ‘ክዳና፡ ጫማኣን ጸጕሪ ርእሳን ኣጽኒሖምለይ’
ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ ጭውያ፡ ቅትለትን ጾታዊ መጥቃዕቲን ኣሰካፊ ደረጃኡ ከምዝበጽሐ ስድራ ግዳያትን ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ይገልጹ ኣለው። ኣብ መቐለ ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ቅትለት መንእሰይ ዘውዱ ሃፍቱ ሓዊሱ ቅትለት ኣስታት 12 ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘጋጠመ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ።
መጥቃዕቲ ሩስያ ሆስፒታል ህጻናት ሃሪሙ፡ ብዙሓት ተቐቲሎም
ኣብ ርእሰከተማ ኪቭ ዝርከብ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ህጻናት ኦህማዲት በቲ መጥቃዕቲ ተወቒዑ፡ ክልተ ሰባት ሞይቶም። ሆስፒታል ኦህማዲት ከቢድ ጉድኣት ወሪድዎ ኣሎ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ኣስመራ ኣትዩ
ኤርትራን ሶማልያን ነዊሕ ዝጸንሐ ዝምድና ከምዘለወን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣሽሓት ሓይልታት [ምድሪ፡ ባሕሪን ኣየርን] ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ስልጠና ከምዝወስዱን፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ተደጋጋሚ ዑደታቱ ከምዝበጽሖምን ንገሊኦም ከምዝመረቘምን ይፍለጥ።
እስራኤል፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ብዝተላዕለ ባእሲ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ ካልእ ብኸቢድ ቆሲሉ
መብዛሕትኡ እዋን እቲ ኣብ መንጐ ኣባላት ገለ ተቓወምቲ ጕጅለታትን ደገፍቲ መንግስቲን ዝርአ ናዕቢ ኣብ ሃገራዊ ጽንብላት ኤርትራ'ኳ ዘጋጥም እንተዀነ እዚ ናይ እስራኤል ግን ኣብ ዝዀነ ቦታን ግዜን ዝፍጸምን ካልእ መልክዓት ይሕዝ ምህላዉን ዝያዳ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ። በቲ ኵነታት ዝተሻቐለ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኵሎም ኤርትራውያን ጐነጽ ደው ከብሉ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።
ኢትዮጵያውያን ስለምንታይ ኣብ ዱባይ ኣባይቲ ክገዝኡ ይመርጹ ኣለዉ?
ዱባይ ብእተካይዶ ወፍሪ ሪል እስቴት ብዅሉ ኣንፈት ተስፍሕ ኣላ። ዝለዓለ ንጥፈት ወፍሪ ሪል እስቴት ድማ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ግዝኣታ ወይ ኣብቲ ደረቕ መሬት ዝርከቦ ከባቢ ዝካየደሉ ይመስል። ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ደላሎ ሪል እስቴት ኣብቲ ቀጽሪ ክውሕዙ ይረኣዩ።እቲ ዕዳጋ ግን ከመይ ይመስል? ረብሓታቱን ካልእን...፤
ማክዳ፡ ብጥንታውያን ንግስቲታት ዝተጸለወ ኣልበም ሙዚቃ ኢትዮ-ኢጣልያዊት
ትውልዲ ኢትዮጵያዊት ኢጣልያዊት ገብርኤላ፡ ድምጻዊትን ኣፍራይት ሙዚቃን እያ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ “ኣብ ታሪኽና ካብ ደቂተባዕትዮ ዘይንእስ ዓቕሚ ዘለወን ተባዓት ደቂኣንስትዮ ከም ዘለዋና ንዓለም ዘርኢ እዩ” ዝበለቶ ኣልበም ዘርጊሓ ኣላ።
ፈረንሳ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ተሪር መርገጺ ዘለዎም ሕሉፋት የማናውያን ድምጺ ስኢኖም
እዚ ንሰልፊ ናሽናል ራሊ (ኣር ኤን) ናብ ሳልሳይ ደረጃ ዘውረዶ ዘገርም ለውጢ ዝተረኣየ፡ ኮነ ኢሎም ደው ንኸብልዎም ዝተሓነዩ ዜጋታት ድምፂ ክህቡ ብብዝሒ ብምውጽኦም እዩ። ሰልፊ ናሽናል ራሊ (ኣር ኤን) ግን እዚ ክኸውን ዝኸኣለ እቶም ካልኦት ውድባት ነቲ ስርዓት ንምጽዋት ስለዝተኣኻኸቡ ጥራይ እዩ ክብል ይሙጕት።
ኤርትራዊ ቢንያም ታሽዓይ ወጺኡ ኣብ ቀጠልያ ማልያ ጸብለልታኡ ኣረጋጊጹ
ኣብዚ ውድድር ቢንያም፡ ምስ ዘዝሃደምት ጕጅለ እናሃደመ ነቲ ኣቐዲሙ ዘመዝገቦ ክልተ ናይ መድረኽ ዓወት ክስልስ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ዘለዉ ደገፍቱ ድማ ‘ሰልሶም’የ ሰልሶም ደኣ ይብሉኻ!’ እናደረፉ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ማሕበራዊ ሜድያ ትጽቢታቶም ከቃልሑ ክስምዑ ውዒሎም፤
ቱር ዲ ፍራንስ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ካልኣይ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ
እቲ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ከም ኣልማዝ ደሚቑ ዘሎ ቢንያም ብዘእምን ብቕዓት ንዕኡን፡ ንጋንታኡን ንሃገሩን ካልኣይ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ።ብሓፈሻ ኣብ ቀጠልያ ማልያ 67 ነጥቢ ብምርካብ ነቲ ትማሊ ኣዋህሊልዎ ዝሓደረ 149 ነጥቢ ናብ 216 ክብ ኣቢሉ ንቀጠልያ ማልያ ብገፊሕ ፍልልይ ወኒንዋ ኣሎ።
ቱር ዲ ፍራንስ፡ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣብ እዋን ውድድር ንበዓልቲ ቤቱ ብምስዓሙ ተቐጺዑ
ፈረንሳዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ጁልያን በርናርድ ኣብ ዙር ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ግዜ ውድድር ንበዓልቲ ቤቱ ብምስዓሙ ድሕሪ ምቕጻዑ: ቅልል ዝበለ ይቕሬታ ሓቲቱ።
ብዕልዋ ስልጣን ዝጨበጡ መራሕቲ ሃገራት ሳሕል 'ልፍንቲ' መስሪቶም
ኒጀር፣ ማሊን ቡርኪናፋሶን ልፍንቲ ምምስራተን፡ ዜጋታት ሃገራት ሳሕል ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ብነፃነት ንክንቀሳቀሱን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ካብ ተመሳሳሊ ትካላት ንክረኽቡን ዘኽእል እዩ ኢሎም።
ከይሓልፈኩም
ኤርትራ፡ 'ኣብ ሱዳን ከም ምሩኻት ካብ ዝተታሕዙ ስደተኛታት ንሓፍተይ ኣለልየያ'
ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሰራዊት መንግስቲ ዝተኣስሩ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ከምዘለው ጸብጻባት ከምዝረኸበ ይገልጽ ። ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ልዕሊ 147,000 ኤርትራውያንን ከባቢ 70,000 ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታትን ኣለዉ።
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ኤርትራ ን33 ዓመታት ብኸመይ ብዘይ ቅዋም ትመሓደር ኣላ?
መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ትግባረ ቅዋምን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝምልከት ነቐፌታን ወቐሳን ክቐርቦ እንከሎ፡ ንስርዓታት ምዕራብን መጋበሪያታቶም ዝብሎም ተቓወምቲ ውድባትን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን እዩ ዝወቅስ።
ኤርትራውያን፡ ስለምንታይ'ዮም ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ዓለም ነንሕድሕዶም ዝጋጨዉ ዘለዉ?
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተቓውሞኦም ከስምዑ ዘይክእሉ ብኣካይዳን ምሕዳራን መንግስቶም ተስፋ ዝቘረጹ ኤርትራውያን፡ ነቲ ቅድሚ 33 ዓመት እታ ሃገር ናጻ ዝወጸትሉ መዓልቲ ንምዝካር ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝካየዱ መደባት ተቓውሞ ኣብ ዘካይዱሉ፡ ዓመጽ ዝመልኦ ግጭት ከይፍጠርን ጸኒሑ እዩ።
ቋንቋኣ ዝዛረቦ ሰብ ብዘይምንባሩ ን12 ዓመታት ኣብ ሆስፒታል ዝተዓጽወት ሪታ ፓቲኖ
ሪታ ፓቲኖ፡ ካብ ሜክሲኮ ናብ ኣመሪካ ብእግራ ከም ዝኣተወት ይግመት። ሪታ ፓቲኖ ኲንቴሮ፡ ካብ ሜክሲኮ ከባቢ ቺሃውሃው ናብ ኣመሪካ ግዝኣት ካንሳስ ብእግራ ከም ዝመጽአት ይግመት።
ቅዋም ኤርትራ፡ ‘ንዘለናዮ መድረኽ ዘይበቅዕ ዝሞተ’ ዝተባህለ ስለምንታይ'ዩ? ቀንዲ ትሕዝቶኡ ኸ?
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ልክዕ ቅድሚ 10 ዓመት፡ ካብ ዝሓለፈ ተመኵሮ ተማሂርና፤ ሓድሽ ቅዋም ንነድፍ ኣለና ክብል ተሰምዐ። ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ድማ፡ እቲ ቅዋም ከምዝሞተን፡ ነቲ እታ ሃገር ትኣትዎ ዘላ ሓድሽ ዝበሎ መድረኽ ዝሰማማዕ ቅዋም ይንደፍ ከምዘሎ ገሊጹ። 10 ዓመታት ሓሊፉ እቲ ዝተባህለ ቅዋም ይዅን ተመዲብሉ ኣሎ ዝተባህለ ኣካልን ኣይተራእዩን። በዚ ድማ ኤርትራ ኣብ ዓለም እታ እንኮ ቅዋም ኣልቦ ዝዀነት ሃገር ኰይና ትቕጽል ኣላ።
ተዘራርብ ዘላ መጽሓፍ ‘ኮኾብ ሰሜን’ ትሕዝቶኣ እንታይ እዩ፤ ዶር. ፍጹም ከ መን እዩ?
ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤርትራውያን መዛረቢ ኣርእስቲ ፈጢራ ዘላ መጽሓፍ፡ ኣብ 2021 ብመምህር መኮነን ተስፋይ ዝተጻሕፈት ታሪኽ ህይወት ዛንታ ሓደ ዶር. ፍጹም ገብረስላሰ ዝተባህለ ኤርትራዊ ተጋዳላይ እትጸዊ ዓባይ መጽሓፍ እያ። መዛረቢ ዛዕባ እንታይ እዩ? ዶ/ር ፍጹም ከ መን እዩ?
ኬንያ፡ ኣብ ሓደገኛ ጉዕዞ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝጠፍኡ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ 10 ተስፋ ዝቖረጹ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ገጾም ተበጊሶም። መዕለቢኦም ኡጋንዳ’ዩ። ክሳብ ቀረባ ዓመታት ኣስታት 200 ሽሕ ዝዀኑ ኤርትራውያን ዝበዝሑ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ነይሮም።
ብውሕልነቶም፡ ‘ቡዳ’ እናተባህሉ ዝጥቅዑ ዘለው ኢደ ጥበበኛታት
ኣብ ትግራይ ኣብ ስርሓት ኢደ ጥበብ ዝተዋፈሩ ሰባት ‘ሰብ ዝቐትሉ ቡዳታት እዮም’ ብዝብል ባህላዊ እምነት ኣደዳ ግፍዕን ሞትን ምክልባትን ከም ዝዀኑ ይገልጹ። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሕ በደላት እናሓመቐን እናወሰኸን ምኻዱ ዝገልጽ ማሕበር ኢደ ጥበበኛታት ትግራይ፡ ካብ ምዝንባል፣ ጸለመን ምፍርራሕን ብዝሰገረ ክሳብ ቅትለት ዝበጽሕ ምዃኑ የረድእ።
ርእሰ-ቅትለት ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ መጠንቀቕታ ኩነታት መንእሰያት ስደተኛታት'ዩ- ዳዕሮ
ካብ 2020 ክሳብ 2024 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብቲ ብክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት (ሆም ኦፊስ) ዝመሓደር መዕቆቢ ዝነበረ 23 ሓተትቲ ዑቕባ ርእሰ-ቅትለት ምፍጻሞም ዝተረጋገጸን ዝተጠርጠሩን ከምዘለዉ፡ 'ሊበርቲ ኢንቨስቲጌትስ' ብዝተባህለ መርማሪ ጋዜጣዊ ጸብጻብ ዝሰርሕ ትካል ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት።
ኤርትራውያን ኣብ ካናዳ ዝብድሆም ዘሎ ስእነት ስራሕ እንታይ ይመስል?
ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንካናዳ ቅድሚ ምእታዎም መብዛሕትኦም፡ ኣብተን ዝጸንሑለን ሃገራት ኰይኖም ብሓገዝ ስድራ ቤቶም ብሓዋላ ክናበሩ ዝነበሩ እዮም። እቲ ዝረኽቡዎ ገንዘብ ከኣ፡ ካብ ኢዶም ናብ ኣፎም ስለዘይሓልፍ፡ እቶም ዝበዝሑ፡ ኣብተን ብኤርትራውያን ዝውነና ትካላት ብትሑት መሃያ እናሰርሑ፡ ብትምህርቲ ከይሰጐሙን ብሞያ ከይሰልጠኑን እዮም ናብ ካናዳ ዝኣትው።
ኤርትራ፡ ስሙያት ተወዳደርቲ ብሽክለታ እናፍረየት ስለምንታይ ስሙይ ውድድር ከተካይድ ዘይትኽእል?
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሓያልን ስሩዕን ውድድራት ዘይምህላዉን፡ ኣብ ኵለን ዞባታታት ካብ ውድደር ማውንተይን ባይክ ዝጅምር ውድድር ዘይምህላዉ’ዩ ንቍጽሪ ፕሮፈሽናላት ተወዳደርቲ ከምቲ ዝድለ ክብ ንኸይብል ዓንቃጺ ኰይኑ ሒዝዎ ከምዘሎ'ውን ይፍለጥ።
ትንታነ
ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሰር ኬር ስታመር መን እዩ?
ሰር ኬር ወዲ 16 ዓመት እንከሎ’ዩ ናብቲ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ጨንፈር መንእሰያት ሌበር ፓርቲ ተጸንቢሩ። ንእተወሰነ እዋን ድማ ‘ሶሻሊስት ኦልተርናቲቭስ’ ንዝተበሃለት ኣኽራሪ ጸጋማዊት መጽሔት እውን ኣርታዒ ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ።
ስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማልያን፡ ተፈጢሩ ንዘሎ ወጥሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከህድእ ይኽእል’ዶ?
ኣብዚ እዋን ቱርኪ ነተን ኣብ ወጥሪ ዘለዋ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንምቅርራብ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ኢዳ ኣእትያ፤ ነቲ ዘጋጠመን ዘይምርድዳእ ብሰላማዊ መንገዲ ንኽፈትሓ ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ርእሰ ከተማኣ ኣንካራ ኣዛትያ። እቲ ዘተ እንታይ ይመስል ነይሩ? ነቲ ኣብዚ ዞባ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ከ ተስፋ ይህሉዶ? እዚ ትንተናኣዊ ጽሑፍ ዳህሲስዎ ኣሎ፤
ባንክ ጸባ ጡብ ኣደ - ሓላል ዶ ሓራም?
ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት፡ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ጸባ ጡብ ኣደኦም ክረኽቡ ዘይከኣሉ ዕሸላት ንምምጋብ ሃገራትን ትካላት ጥዕናን ዝተፈላለየ ብልሓት ይጥቀማ። እዚ ድማ ስነፍልጠታዊ፡ ባህላዊን ሃይማኖታውን ሕቶታት ከልዕል ይርአ እዩ። ነዚ መሰረታዊ ስክፍታት ብምግባር፡ ኣብ ፓኪስታን ምስ ሃይማኖት ተኣሳሲሩ ኣብዚ ጉዳይ ዝተላዕለ ሕቶታት ተዳህሲሱ'ሎ።
ብከላ ኣየር ብኸመይ እዩ ወርሓዊ ጽግያት ኣዋልድ ዝጸሉ ዘሎ?
ኣዋልድ ናይ መጀመርታ ወርሓዊ ጽግያት ካብ ዘጋጥመን ክሳብ ምጅማር ዕብየት ጡብ ዘለዉ ለውጥታት፡ ምትእትታው ግዜ ጕርዝውና በብቑሩብ ይጅምር ከምዘሎ ዘመልክቱ እዮም። ኣብዚ እዋን ዘለዋ ኣዋልድ ኣመሪካ ምስተን ቅድሚ ሓደ ክፍለ ዘመን ዝነበራ ኣዋልድ ክነጻጸራ እንከለዋ፡ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ኣቐዲመን ወርሓዊ ጽግያት ከም ዝጅምራ ይግመት።
ሓፈሻዊ መረጻ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ትጽቢታትን ስክፍታታትን እንታይ ይመስሉ?
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ፡ ቀጻሊ ሓፈሻዊ መረጻ እታ ሃገር 4 ሓምለ ከምዝካየድ ኣፍሊጡ’ዩ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ቀውዒ ክካየድ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣቐዲሙ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ብዛዕባ’ዚ ክለዓሉ ካብ ዝኽእሉ ሕቶታት እንታይ ምዃኖም እዚ ጽሑፍ ዳህሲስዎ ኣሎ።
ሮናልዶ፡ ምስጢር ዓወቱን ኣብ ሃገራዊት ጋንታኡ ዘስረጾ ሓያል ስምዒትን እንታይ እዩ?
ክርስትያኖ ሮናልዶ ንሃገራዊት ጋንታኡ መሪሑ ሎም ዘበን እውን ናብ ርብዒ ፍጻመ ዩሮ-2024 ኣብጺሑዋ'ሎ። ምስዚ ወዲ 39 ተኣምረኛ ተጻዋታይ ጽቡቕ ግዜ ዘሕለፈ፡ ካብ ንእስነት መጻውትቱ ዝነበረ ወዲ ሃገሩ ሆዜ ፎንተ፡ ኣብ ህይወት፡ ስብእናን ዲሲፕሊንን ሮናልዶዶ ዘለዎ ጦብላሕታ፡ ንቢቢሲ ኣካፊሉ።
ንመትረብ እንግሊዝ ካብ ዝሰግሩ ስደተኛታት ክንደይ ዝኣኽሉ ዑቕባ ይረኽቡ?
ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ኣብ ሓፈሻዊ መረጻ እታ ሃገር እንተተዓዊቱ፡ ናብ ሩዋንዳ ዝግበሩ ቀዳሞት በረራታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ከምዝጅምሩ ቃል ኣትዩ ኣሎ። ይኹን’ምብር ሰር ኬር ስታርመር ግን ሰልፊ ሌበር እንተተዓዊቱ፡ ነቲ ትልሚ ሩዋንዳ ክስርዞ ምዃኑ ገሊጹ’ዩ። ኣብ ክንድኡ ድማ ጸረ-ሽበራ ስልጣን ተጠቒሙ ኣብ መላእ እቲ መትረብ ስደተኛታት ንዘሰጋግሩ ጕጅለታት ደው ከብል ተሓንዩ ኣሎ።
ኣብ ዓለም 'ዝበዝሐ ዕልዋታት መንግስቲ ዝርኣየት ሃገር'
እታ ሃገር ካብ 1964 ክሳብ 1982 ዳርጋ ብቐጻሊ ብወተሃደራዊ ስርዓታት ትመሓደር እኳ እንተነበረት፡ ካብ ሽዑ ጀሚራ ግን ዴሞክራሲያዊት ሃገር ኰይና መጺኣ እያ። ኣብዚ ሰሙን፡ ብሮቡዕ 26 ሰነ 2024 ግን ወተሃደራት ኣብ ከተማ ፓ ፓዝ ናብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ምስ ኣምርሑ።
ኢጣልያ፡ ስለምንታይ'ዮም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ተመሃሮ ትምህርቶም ንምዝዛም ዝጽገሙ ዘለው?
ኣብ 2021 ኣብ ኢጣልያ 72, 284 ( ሰብዓን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰማንያን ኣርባዕተን) ኣፍሪቃውያን ተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቶም ተኸታቲሎም። ካብኦም እቶም 414 ኢትዮጵያውያን ክዀኑ እንከለው እቶም 73 ድማ ኤርትራውያን እዮም። እዞም ተምሃሮ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዲግርን ልዕሊኡን ይመሃሩ።
ብዛዕባ ንዓለም ዘናወጹ ሰነዳት ዊኪሊኪስ እንታይ ንፈልጥ?
ዊኪሊክስ፡ መንግስታትን ኩባንያታትን ክሓብእዎ ዝፍትኑ ምስጢራት ኣብ ምቅላዕ ወሳኒ ተራ ዘለዎ መርበብ ሓበሬታ እዩ።
ትራምፕ ዳግም እንተተመሪጹ ንዓለም እንታይ ጽልዋ ይህልዎ?
ክሳብ ሕጂ ዝተኣከቡ ድምጺታት፡ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ መረጻ እታ ሃገር ክዕወት ከም ዝኽእል የመልክ፤ ኣፍኻ መሊእኻ ምዝራብ ግን ኣየኽእሉን።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ብሪጣንያ፡ ሱናክ ብገዚፍ ስዕረት ዓቃባዊ ሰልፊ 'ተሓታቲ እየ' ኢሉ
ብሓሙስ 4 ሓምለ 2024 ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረጻ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሰልፊ ዕዮ ዓብላሊ ብዝዀነ ድምጺ ድሙቕ ዓወት ከምዘመዝገበ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሪሺ ሱናክ ዝመርሖ ዓቃባዊ ሰልፊ ዘመዝገቦ ዓቢይ ታሪኻዊ ስዕረት ሓላፍነት ከምዝወስደሉ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኲናት ሱዳን ዝተቐርቀሩ ተጋሩ ስደተኛታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ክሕግዞም ተማሕጺኖም
ኣቦ ሓሙሽተ ቈልዑ ዝዀነ ወዲ 48 ዓመት ወልዱ ሓድሽ ሓደ ካብኣቶም እዩ። ንሱ፡ ንዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ኣብ መዓስከር ተነድባ ተዓቊቡ’ኳ እንተጸንሐ፡ ሕጂ ስግኣታት ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ናብቶም ብዓሰርታት ኣሽሓት ስደተኛታት ተዓቊቦምሎም ዝርከቡ መዓስከራት ይጽጋዕ ብምህላዉ ኣብ ልዑል ስግኣት ከም ዝርከቡ ሓቢሩ።
ትግራይ፡ ተላጊበን ዝተወልዳ 'ህያብን ውህብቶን' ድሕሪ 80 መዓልታት ከመይ ኣለዋ?
ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ከተማ ኣኽሱም ብርእሰን ተጣቢቐን ዝተወለዳ መናቱ ከዘራርባ ቀኒየን ኣለዋ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብመሰረት ሃይማኖታዊ ስርዓት እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ ኣክሱም ቤተክርስትያን ጽዮን ማርያም ዝተጠመቓ ኮይነን 'ውህብቶን ህያብን' ዝብል ስም ተዋሂበን ኣሎ። ኩነታተን እንታይ ይመስል- ኢልና ሓቲትና ኣለና።
ኣብ ቱርኪ ዝተራኸባ ኢትዮጵያን ሶማልያን እንታይ ተሰማሚዐን?
ካብ ቱርኪ ብዝ���ረበለን ዕድመ መሰረት ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታየ ኣጽቀስላሴን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ሶማልያ ኣሕመድ ሞሊምን ኣብ ኣንካራ ድሕሪ ምዝታዮም ሓባራዊ መግለጺ ሂቦም።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢጣልያን 'ቀጥታዊ ናይ ኣየር ርክብ' ንምጅማር ውጥን ከምዘሎ ተገሊጹ
ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ላዕለዋይ ኢጣልያዊ ሚኒስተር ንግድን ሃገራዊ ፍርያት ኢጣልያን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ካልኦት 10 ሚኒስተራትን ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ክህሉ ብዛዕባ ዝኽል ቁጠባዊ ዝምድና ተመያይጡ።
ኬንያ፡ ፕረዚደንት ሩቶ ሓያል ናዕቢ ንዘስዓበ ሓድሽ ሕጊ ክስሕቦ ተገዲዱ
ኣብ ኬንያ ኣካታዕቲ እማመታት ግብሪ መንግስቲ ዘበገሱዎ ተቓውሞታት፡ ድሮ ምኽንያት ሓሙሽተ ሰባት ኰይኖም ኣለው። ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ዝተሓወሶ ተቓውሞ ድማ ገለ ኽፋል ባይቶ እታ ሃገር ብሓዊ ተቓጺሉ’ዩ።
ተባዕ ወለዶ’ ኬንያ፡ ብኸመይ እዩ ንመንግስቲ ሩቶ ዘንቀጥቅጦ ዘሎ?
ብሰሉስ፡ ኣማኢት ወደብቲ፡ ነቲ ብፖሊስ ዝፍኖ ዘንብዕ ጋዝ ብምፅዋር፡ ብሕምብርቲ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ናይሮቢ ኣቋሪፆም፡ ንግዳዊ መነሃርያ እታ ከተማ ደው ኣቢሎምዎ ውዒሎም። ዘመናዊ ስልኮም ተዓጢቖም፡ ነቲ ምስ ፖሊስ ዝገበርዎ ዝነበረ ግበግብ ዝመልኦ ግጥም ብቐጥታ ዘርጊሖምዎ።
ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ከባቢ ዶብ ሓጹር ‘መንደቕ’ ትሃንጽ ምህላዋ ምስልታት ሳተላይት ኣቃሊዖም
ብቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተተንተነ ምስልታት እውን ኣብ ውሽጢ’ቲ - ዲ.ኤም.ዚ (ዲሚሊታራይዝድ ዞን) ብዝብል ዝፍለጥ ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ነጻ ዝኾነ ዞባ ዝርከብ መሬት ከም ዝተጸረገ የርእይ። እዚ ድማ ነቲ ምስ ደቡብ ኮርያ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምቁራጽ ተጻብኦ ምጥሓስ ክኸውን ከምዝኽእል ክኢላታት ይሕብሩ።
ካብ ሶርያ ናብ ኤውሮጳ፡ 11 ዓመታት ዝወሰደ ጕዕዞ ስደት
ካህሊል፡ ካብ ሶርያ ክወጽእ እንከሎ፡ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት’ዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ፡ ኣንጻር ፕሬዝደንት በሽር ኣል-ዓሳድ ዝተላዕለ ተቓውሞታት ስዒቡ ዘጋጥም ዝነበረ መዓልታዊ ጐንጺታት ርእዩ’ዩ። በዚ ምኽንያት፡ ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ዓሰርተ ዓመት ዝወሰደሉ ጕዕዞ ስደት ጀሚሩ። ሸውዓተ ሃገራት ተሳጊሩ፤ ካልኦት ሰለስተ 15 ግዜ ክሰግረን ፈቲኑ። እቲ ጉዕዞ፡ ብእግሪ ኣማኢት ኪሎ ሜትራት ብእግሪ ዝወሰደ፣ ኣዝዩ ሓደገኛ ጕዕዞ ባሕርን ሩባታትን ዝተመልኦ’ዩ ነይሩ።
ንሃገራት ምዕራብ ዘሻቕል ዘሎ ጽንጽንታ ምብጻሕ ፑቲን ናብ ሰሜን ኮርያ
ፖለቲካ ሩስያ ዝከታተሉ ተዓዘብቲ፡ ንኣዋርሕ ቭላድሚር ፑቲን ናብ ሰሜን ኮርያ ከም ዘቕንዕ ፈሊጦም ጸኒሖም’ዮም። ኪም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥይት ብዘይበስዓ ዓባይ ባቡር ገይሩ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ሩስያ ምስ ፑቲን ከም ዝተራኸበ ይዝከር።
ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ፡ 'ንስደተኛታት ንዕርበቶም ናብ ባሕሪ ደርብዮሞም' መሰኻኽር ዓይኒ
ቢቢሲ ብሰንኪ ተግባራት ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ሞት ከም ዘጋጠመ ዝገልጹ ብዝሒ ፍጻመታት ኣኻኺቡ ክጽብጽብ ከሎ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ። እቶም ዝተተንተናዮም 15 ፍጻመታት ካብ ግንቦት 2020 ክሳብ 23 ኮይኖም ሞት 43 ሰባት ድማ ኣስዒቦም። እቶም መባእታዊ ምንጭታት ብቐንዱ ናይ ውሽጢ ዓዲ ማዕከናት ዜና፣ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ሓለዋ ባሕሪ ቱርኪን እዮም።