ንጥዕና ሓደስቲ ኣቦታት ዝሕ���ዙ 7 ቀንዲ ለበዋታት

ሓድሽ ኣቦ ምዃን ዝተፈላለዩ ስምዒታት ከበግስ ተኽእሎ ኣሎ
መግለጺ ስእሊ, ሓድሽ ኣቦ ምዃን ዝተፈላለዩ ስምዒታት ከበግስ ተኽእሎ ኣሎ

ሓዱሽ ኣቦ ምዃን ዝተፈላለዩ ስምዒታት ከበግስ ይኽእል እዩ። ካብ ልዕሊ ዓቐን ሓጎስ ክሳብ ፍጹም ፍርሕን ኣብ መንጎ እዚኦም ዘለዉ ስምዒታትን ዘጋጥምዎም ሒደት ኣይኰኑን።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ምድቃስ ዘይምኽኣል፤ ለውጢ ሆርሞናት (ኣቦታት’ውን ለውጢ ሆርሞናት የጋጥሞም’ዩ)፡ ምቁራጽ መዓልታዊ ልምድታት ከምኡ’ውን ስእነት ሚዛን ወስኹሉ።

ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ ካብ 10 ደቂ ተባዕትዮ ዳርጋ ኢቲ ሓደ ዕሸል ድሕሪ ምውላድ ኣብ ዘለዋ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ከምዘጋጥሞም መጽናዕትታት የመልክቱ።

ካብዚኦም ብፍላይ እቶም ንመጀመርታ ግዜ ዝወለዱን ኣብ ትሑት ዕድመ ዝርከቡን ኣቦታት ዝያዳ ተቓላዕቲ እዮም።

ብተወሳኺ ዋላ’ኳ ንቕሓቶም እናበረኸ እንተመጸ፡ ድሕነት ኣቦታት ግን ንድሕሪት ክተርፍ ከምዝኽእል ክኢላ ጥዕና ኣእምሮ ራውል ሊንድሰይ ይገልጽ።

"ህጻን ክውለድ ከሎ፡ እቲ ትኹረት ብቅኑዕ ኣገባብ ነታ ኣደ’ዩ ዝወሃብ። ዕሸልን ኣቦን ድማ ብገለ መልክዑ ድሕሪ እዚ’ዮም ትኹረት ዝረኽቡ። ግን ኣቦ’ውን ደገፍ የድልዮ’ዩ" ይብል።

እዚ ጽሑፍ፡ ነቲ ህይወት መቐይሮ ዝዀነ ተመክሮ ኣቦታት ዘጉልሕን ንድሕነት ሓደስቲ ኣቦታት ገለ ምኽሪ ዝህብን እዩ።

ሓደስቲ ኣቦታት ጥዕና ኣእምሮኦም ንምቁጽጻርን ሚዛኖም ንምሕላውን ገለ ካብዞም ምኽርታት ክፍትኑ ይኽእሉ።

ሓድሽ ኣቦ ምዃን ልዕሊ ዓቕሚ ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ነቶም ብ���ሆታት ንምምካት ክሕግዙ ዝኽእሉ ቀለልቲ ስጉምቲታት ግን ኣለዉ
መግለጺ ስእሊ, ሓድሽ ኣቦ ኣብ ምዃን ዘጋጥሙ ብድሆታት ንምምካት ክሕግዙ ዝኽእሉ ቀለልቲ ስጉምቲታት ግን ኣለዉ

1. ምዕሩይ ኵን

ክኢላ ጥዕና ኣእምሮ ራውል ሊንድሰይ ከምዝብሎ፡ ሓደስቲ ኣቦታት ኣብ ገዛእ ርእሶም ልዑል ጸቕጢ ይፈጥሩ እዮም።

ካብ ዘጋጥምዎ ነገራት እቲ ቀንዲ፡ "ዕዉት ኣቦ ንምዃን ብዙሓት ሓደስቲ ክእለታት የድልየኒ እዩ" ዝብል እምነት ከምዝዀነ ይገልጽ።

እዚ እምነት’ዚ ንኣቦታት ዓቢ ጸቕጢ ከስዕበሎም እንከሎ፡ "ኣዴታት ግን ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ባህርያት ኣደነት የማዕብላ እየን" ይብል።

ብሓቂ ወላዲ ምዃን ንዝዀነ ሰብ ቐሊሉ ዝመጸሉ ነገር ኣይኰነን።

"ከም ኣካል ሕውየት ንሓዱሽ ኣቦ ዝመኽሮ ነገር እንተሃልዩ፡ ምስ ውላድካ ንጡፍን ዕሸላዊን ክትከውን (ናይ ህጻን ባህሪ ክተርእይን) እዩ። ኣቦ፡ ስነ-መጐታዊን ሃዳናይ መግቢ፡ ኣደ ድማ ኣላይት ክዀኑ ኣለዎም ካብ ዝብል ሓሳብ ርሓቕ። ከምኡ'ውን ብባህርያዊ ድፍኢታትካ ተኣማመን።

እወ፡ ሓበሬታን ናይ ካልኦት ሰባት ምኽርን ተቐበል፡ ካብዚ ንላዕሊ ግን ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ፍርዲ እምነት ይሃልኻ”

2. ምስ መጻምድትኻ ተረዳዳእ

ምስ መጻምድትኻ ጽቡቕ ርክብ ይሃልኻ፤ እዚ ብዛዕባ ኣተዓባብያኹም ብዝምልከት ህድኣት ክህልወኩምን ርእሰ-ምትእምማን ክስምዓኩምን ኣገዳሲ መገዲ እዩ።

“ብፍላይ ኣብ መጀመርታ እዋናት ኣገዳሲ’ዩ። ከም ናይ ለይቲ ምግቢ ዝኣመሰሉ ዕማማት ኣብ መንጎ ክልቴኹም ወለዲ ምውዳብ፡ ብዝተኻእለ መጠን ነገራት ምውጣን፡ ክልቴኹም ዕረፍቲ ከምዘድልየኩም ምፍላጥ ኣለኩም።

እዚ ድማ ኵሉ’ቲ ብዛዕባ’ቲ ዝፍጸም ዘሎ ክትዛራረቡን ብዛዕባ’ቲ ክትገብርዎ እትኽእሉ ነገር ብግብሪ ብሓባር ክትሓስቡን ምኽኣል ዘጠቓልል’ዩ” ይብል ራውል።

"ምስ መጻምድትኻ ተዘራረብ፡ ስምዓያ፡ ሕቶታት ሕተት፤ ንሓድሕድኩም ብሓቂ እንታይ ከምትዘድልዩ ድማ ፍለጡ" ክብል ይውስኽ።

“እታ ክትኣምና እትኽእልን ዝያዳ ክምችኣካ ክትገብርን እትኽእል ሰብ መጻምድትኻ’ያ። ስለዚ ብክልሰ-ሓሳብ እዚ ከቢድ ክኸውን የብሉን።

ይኹን’ምበር ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ካብ መጽምድቶም ጭቡጥ ሓበሬታ ከይረኸቡ እንታይ ከምዘድልያ ይግምቱ’ሞ ብሓሳቦም መሰረት ገለ ይፍጽሙ።

እዚ ብግምት ጥራይ ዝፍጸም ጉዳይ ግን ኣብ መጻምድቲ ስክፍታታትን ጭንቀትን ከስዕብ ከምዝኽእል ራውል የብርህ።

እታ ጓል ኣንስተይቲ፡ መጻምድታ ብቑዕ ኣቦ ክኸውን ድዩ ወይ’ውን ምስ ዕሸላ ገዲፍዋ ክኸድ’ዶ ይኸውን ዝብሉ ሓሳባት ክሓዳርን ኵሉ ነገር ብጥርጣረ ንኽትርእይን ከምዝድርኻ ይገልጸ።

ኣብ ክንዲ ብግምት፡ ንሓድሕድኩም ሓቲትኩምን ተዘራሪብኩምን ንኽፍጸም እትውስንዎ ጉዳይ ምስ ግዜ “ንሓድሕድኩም ዝሓሸ ስምዒት ንኽስምዓኩም ክገብር” ከምዝኽእል እውን የስምር።

3. ሚዛን ዝረኸብካ ክስምዓካ ዝገብሩ ነገራት ፈጽም

እዚ ምግባር፡ ትንፋስ ክትረክብ ዳርጋ ግዜ ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ዘይፍጸም ክመስል እኽእል’ዩ።

ራውል ግን ገለ ናይ ህድኣት ስምዒት ክትዕቅብ ዝሕግዘካ ዝዀነ ሓድሽ ዓይነት ልምዲ ክትጅምር ይመክር።

ቅድሚ ቆልዓ ምውላድካ፡ ንምዝናይ ወይ ሚዛን ንምርካብ ዝሕግዘካ ዝነበረ ነገር እንታይ ምዃኑ ሕሰብ፤ ድሕሪኡ ንስኻን መጻምድትኻን ብሓባር ብገለ መንገዲ ነቲ ንጥፈት ናብ ሓድሽ መዓልታዊ ህይወትኩም ክተታኣታትውዎ እትኽእለሉ መንገድታት ክትረኽቡ ትኽእሉ እንተዀይንኩም ተዛተዩ።

"ሓደ ሓደ ግዜ ገለ ዓይነት ጸወታ ክትጻወት እንተደሊኻ፡ እዚ ዝዀነ ጌጋ የብሉን። ምናልባት ንጥዕናኻን ንብቕዓትን ጠመተ ስለዘትገብር፡ 'ኣካላዊ ለውጥኻ' ከተሓሳስበካ ይኽእል’ዩ” ይብል።

ስለዚ ምስ መጻምድትኻ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ጂምናዝየም እትኸደሉ ወይ ኣካላዊ ምንቅስቐስ እትገብረሉ ግዜ ምምችቻው ኣብ ኵለ-መዳያዊ ርክብኩም ዝሕግዝ እምበር ጸገም ዘስዕብ ከምዘይኰነ ራውል ይምዕድ።

4. ምስ ካልኦት ሓደስቲ ኣቦታት ኣዕልል

ልክዕ ከምቲ ንስኻ ትርከበሉ ኵነታት ምስ ዘለዉ ሰባት ብፍላይ ኣቦታት ምዝርራብ ዘለዎ ሓይሊ ኣቃሊልካ ኣይትርኣዮ ክብል ራውል ይመክር።

“መጀመርታ ኣቦ ኣብ ዝዀንኩሉ እዋን እዚ ነዓይ ኣገዳሲ ነይሩ። ምቹእ ግዜ ኣብ ዝረኸብካሉ እዋን ኵነታትካ ምስ ዝርድኡ ሓደስቲ ኣቦታት ብምርኻብ ኣዕልል፡ ምኽርታት ተለዋወጥ፡ ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታት’ውን ተሳተፍ" ይብል።

ኣብ ባህርያዊ ድፍኢታትካ ምትእምማን ነቲ ግዳማዊ ጸቕጢ ንምምካት ሓጋዚ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ባህርያዊ ድፍኢታትካ ምትእምማን ነቲ ግዳማዊ ጸቕጢ ንምምካት ሓጋዚ እዩ

5. ወላዲነት እናቐለለ ከምዝኸድ ኣይትረስዕ

ራውል፡ “ኣብ መጀመርታ እዋናት ሓድሽ ኣቦ ክትከውን እንከለኻ፡ ምናልባት ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረካ ህይወት ብዙሕ ክትናፍቖ ትኽእል ኢኻ” ይብል።

እቲ ጸገማት ግን ግዝያዊ ምዃኑ ምዝካር ኣገዳሲ’ዩ። ናብ ዝዀነ ዝነበረካ ስምዒት ‘ንቡርነት’ ክትምለስ ኢኻ፤ ዝሓሸ ድቃስ፡ ምስ መጻምድትኻ ዝያዳ ህዱእ ህሞታት፡ ዝያዳ ግዜ ምስ ኣዕሩኽን ቤተሰብን እትራኸበሉ ግዜ ክህልወካ’ዩ።

6. ኵነተ-ኣእምሮኻ ኣስተብህል

መብዛሕትኦም ሓደስቲ ኣቦታት ኣብ መጀመርታ ትሑት ወይ ደስ ዘይብል ኵነተ-ኣእምሮ ክህልዎም ተኽእሎ ኣሎ።

ከምዚኦም ዝ���ሉ ስምዒታት እንተቐጺሎምን ንነዊሕ እዋን እንተጸኒሑን ግን ምልክት ጭንቀት ክኸውን ይኽእል እዩ።

“ዝተወሰነ መጠን ጭንቀት ባህርያዊ’ዩ፡ ንኣብነት ከም ኣቦ ከመይ ተራኻ ከምእትዋጻእ፡ ቁጠባዊ ኵነታትን ካልኦት መዳያትን ኣቦነት ከጨንቑኻ ይኽእሉ’ዮም” ይብል ራውል።

ምስ መጻምድትኻ ብግልጽን ብቕንዕናን ምዝርራብ ናብ ብቑዕ ኣቦነት ክመርሓካ ይኽእል
መግለጺ ስእሊ, ምስ መጻምድትኻ ብግልጽን ብቕንዕናን ምዝርራብ ናብ ብቑዕ ኣቦነት ክመርሓካ ይኽእል

“እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ እቲ ጭንቀት ንነዊሕ እዋን ይቕጽል ወይ’ውን ኣድካሚ ይኸውን ከምዘሎ ምስትብሃል’ዩ።

ንኣብነት ከም ፍርሒ ዝኣመሰሉ ኣካላዊ ጽልዋታት ከጋጥመካ ወይ ድማ ናብ ስሩዕን ህዱእን ኵነታት ምምላስ ዘይምኽኣል ክስማዓካ ይኽእል። ልምዲ ኣመጋግባኻ ስለዝቕየር፡ ካብቲ ልሙድ ዝዛይድ ወይ ዝውሕድ ትምገብ ከምዘለኻ፡ ወይ’ውን ኣገባብ ድቃስካ ከምዝቕየር ከተስተብህል ተኽእሎ ኣሎ።

ኵሉ ሰብ ዘጋጥሞ ተመክሮ ቅዛነት ዝተፈላለየ እዩ።

ካብቲ ትፈትዎ ዝነበርካ ንጥፈታት ባህታ ዘይትረክብ እንተዀይንካ ወይ ፈጺምካ ክትገብሮም ድሌት እንተስኢንካ፡ ወይ ድማ ብዛዕባ እቶም ቅድሚ ሕጂ ዘይትጭነቐሎም ዝነበርካ ነገራት ስክፍታ ዝስምዓካ እንተዀይኑ ሓገዝ ካብ ምሕታት ኣይትስነፍ።

7. ጸገምካ ንእትኣምኖ ሰብ ኣካፍል

ብቐጻሊ ደስ ዘይብል ስምዒት እንተሃልዩካ፡ ንትኣምኖ ሰብ ንምንጋር ኣይትፍራሕ።

“ከምዚ ዝበለ ዕላል ምጅማር ናይ ብሓቂ ከቢድ ስለዝዀነ፡ ብንኣሽቱ ነገራት ጀምር። ግድን ከም ከቢድ ዕላል ገይርካ ክትጅምሮ የብልካን። ብዛዕባ ሓገዝ ምሕታት ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ – ብዛዕባ ኣብ’ቲ እዋን ዘለካ ስምዒት ምክፋል ጥራይ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ይብል ራውል።

ንመን ትዛረብ ዝብል ብዘየገድስ፡ ንትኣምኖን ጽን ኢሉ ንዝሰምዓካን ሰብ ስምዒትካ ምስ ተካፍል ለውጢ ከምዝህልዎ ድማ ወሲኹ የዘኻኽር።