መረጻ ኣመሪካ 2024፡ ኣብ ፈላሚ ፕረዚደንታዊ ክትዕ መን ሰዓረ?

ትራምፕን ባይደንን ሕጹያት ሰልፊታት ሪፐብሊካንን ዴሞክራትን ኰይኖም'ዮም ቀሪቦም ���ለው

ቅድሚ እቲ ሎሚ ለይቲ ዝተኻየደ ፈላሚ ክትዕ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ብዙሓት ኣመሪካውያን ኣብ ዛዕባ ዕድመን ብቕዓትን ጆ ባይደን ስክፍታኦም ብዓውታ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ጆ ባይደን፡ ብወገኑ ነቲ ዝዝረብ ዝነበረ ከጽሪ ተዳሊዩ እዩ መጺኡ። እንተዀነ፡ ኣብቲ መድረኽ ምስ ደየበ ነቲ ዝነበረ ስክፍታ ዘረጋገጸ’ዩ ነይሩ ክብሃል ይክኣል። ክዛረብ እንከሎ ወታእታእ ክብልን ብንጹር ክስማዕ ዘይከኣል ምላሽ ክህብን ተራእዩ።

ኣብ ማእከል እቲ ክትዕ፡ ተሓጋገዝቲ ባይደን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ፕረዚደንት ድምጹ ዝሓርፈፈሉ ምኽንያት ሰዓል ስለ ዝሓዘቶ’ዩ ኢሎም። ክኸውን ይኽእል፤ መመኽነይታ’ውን ይኸውን።

ጆ ባይደን፡ ዳርጋ ን90 ደቓይቕ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጸገም እዩ ነይሩ።

ብፍላይ ገለ መልሲታት ዝህቦም ዝነበረ ትርጕም ኣይነበሮምን ይብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣንቶኒ ዘርቸር።

ኣብ ሓደ እዋን ካብቲ ኣርእስቲ ወጺኡ ዝሃቦ መልሲ፡ “ኣብ መወዳእታ ንመዲኬር ስዒርና” ኢሉ - እዚ ድማ ነቲ ብመንግስቲ ዝመሓደር መደብ ክንክን ጥዕና ኣረጋውያን ዝምልከት ፍሉይ መወከሲ እዩ።

ዳይሬክተር ርክባት ባይደን ነበር ኬት ቤዲንፊልድ ድሕሪ እቲ ክትዕ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ “ብዛዕባ እዚ ክልተ መገዲ የለን -ንጆ ባይደን ጽቡቕ ክትዕ ኣይነበረን" ኢላ።

ንሱ፡ ብቕዓትን ሓይልን ከም ዘለዎ ንምርግጋጽ’ኳ እንተፈተነ ኣይሰመረሉን ትብል።

እቲ ክትዕ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ��ዋን፡ ናህሪ እቲ ክትዕ ንምቕያር ኣብ ዝገበሮ ፈተነ፡ ኣንጻር መጋጥምቱ ዓበይቲ ጻዕሪታት ክገብር'ውን ተራእዩ'ዩ።

ንዶናልድ ትራምፕ ከቘጥዑዎ ዝኽእሉ ነገራት ምልዓል ዝበሉ ውሑዳት ፈተነታት ሰሚሮምሉ ይዀኑ።

እቶም ቀዳሞት ኣብቲ መድረኽ ዝተኻትዑሎም ዛዕባታት፡ ጕዳያት ቍጠባን ኢሚግሬሽንን ኰይኖም - ኣብዚ ዳህሳሳት ከም ዘርእዮ ኣመሪካውያን ንዶናልድ ትራምፕ ዝያዳ ከም ዝኣምንዎ - እቲ ፕረዚደንት ንዝነበሮ ጸገማት ከጋደድ ጥራይ’ዩ ተራእዩ።

ትራምፕ፡ ድሕሪ ባይደን ዝሃቦ መልሲ ኣብ ዝተዛረቦ “ብሓቂ ኣብ መወዳእታ እንታይ ከም ዝበለ ኣይፈልጥን’የ፤ ንሱ’ውን ዝተረድኦ ኣይመስለንን” ኢሉ።

እዛ መልሲ እዚኣ፡ ነቲ ትማሊ ዝተኻየደ ክትዕ ከተጠቓልሎ ትኽእል እያ።

ዝያዳ ትኵር ዝነበረ ትራምፕ

ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዓቢኡ ስነ-ምግባርን ትኵር ብቕዓትን ዘለዎ ኰይኑ እዩ ቀሪቡ።

ካብቲ ኣብ 2020 ዘካየዶ ዘረባታት ምዅላፍን ህውከት ናይ ምቕስቃስን መንፈስ ኣወጊዱ፡ ክፍተት ኣብ ዝረኸበሉ ንባይደን ከጥቅዕ እዩ ተራእዩ።

ብተደጋጋሚ ብመርትዖ ዘይድገፍ ውጹእ ምጕትታት የቕርብ’ኳ እንተነበረ፡ ባይደን ግን ነዚ ተጠቒሙ ንትራምፕ ክረትዖ ኣይከኣለን።

ንኣብነት፡ ጕዳይ ምንጻል ጥንሲ ምስ ተላዕለ፡ ትራምፕ ብተደጋጋሚ ብጌጋ ሰልፊ ዲሞክራት ዕሸላት ምስ ተወልዱ ምንጻል ጥንሲ ከም ዝድግፉ ይገልጽ ነይሩ።

ምንጻል ጥንሲ፡ ድኽመት ትራምፕን ብሓፈሻ ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝግለጸሉ ኰይኑ፡ ብ2022 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ን50 ዓመታት ዝጸንሐ ውሳነ ምንጻል ጥንሲ (ሮይ ቪ ዋይድ) ከምዝሰረዞ ይዝከር።

እዚ ባይደን ጸብለልታ ከርእየሉ ዝግባእ ዛዕባ’ኳ እንተነበረ - ኣይክኣለን።

እኳ ደኣ፡ “እቲ ዝገበርካዮ ነገር ኣዝዩ ዘስካሕክሕ’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት እዚ ክትዕ፡ ፕረዚደንት ባይደን፡ ንትራምፕ ከቘጥዖ ኢሉ ምትዅታዃት ክገብር ተራእዩ እዩ።

ኣብ ሓደ ዘረባ፡ ባይደን ትራምፕ ምስ ኰኾብ ፊልም ስቶርሚ ዳኒኤልስ ነይሩዎ ብዝብሃል ፍቕራዊ ርክብ ዝቐረበሉ ክሲ ዝተዋህበ ፍርዲ ብምጥቃስ፡ 'ትራምፕ ስነ-ምግባር ዘይብሉ' ክብል ተዛሪቡ።

ትራምፕ ድማ፡ “ምስ ሓንቲ ኰኾብ ፖርኖግራፊ ጾታዊ ርክብ ኣይገበርኩን” ክብል መልሲ ሂቡ።

ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ብ6 ጥሪ ኣብ ልዕሊ ባይቶ ኣመሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ’ውን ምላሽ ሂቡ።

ኣብ መጀመርታ ብዛዕባ ሓላፍነት ናዕቢ ካፒቶል ዝምልከት ሕቶ ንባይደን ክነቕፎ’ኳ እንተፈተነ፡ ባይደን ኣብዚኣስ ከሕልፎ ኣይክኣለን።

“እቶም ሰባት ናብ ካፒቶል ሂል ክኸዱ ኣተባቢዕዎም፤ ተሓጋገዝቱ ገለ ክገብር’ኳ እንተለመኑዎ ንሰለስተ ሰዓታት ኣብኡ’ዩ ኰፍ ኢሉ ነይሩ” ክብል ባይደን ተዛሪቡ።

“ዋላ ሓደ ነገር ኣይገበረን”።

ቀጺሉ እንታይ’ዩ ክኸውን?

እዚ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኣመሪካ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ኰይኑ፡ ብኸፊል ጕጅለ ባይደን ከምኡ ክኸውን ስለ ዝደለ’ዩ።

ናይዚ ሓደ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወቕቲ ጐስጓስ ኣተኵሮ መረጽቲ ናብ ትራምፕ ክኸውን ካብ ምድላይ ዝብገስ ኰይኑ፡ እዚ ድማ መረጽቲ ብዛዕባ እቲ ነውጺ ዝመልኦ ፕረዚደንታዊ መሪሕነት ትራምፕ ክዝክሩ ክገብሮም’ዩ ብዝብል ተስፋ ዝኽተሉዎ ዘለው መደብ እዩ።

ድሕሪ’ዚ ክትዕ ግን፡ ካብኡ ንላዕሊ መረጽቲ ብዛዕባ ብቕዓት ባይደን ዝዛረቡ ክበዝሑ’ዮም።

ጕጅለ ጐስጓስ መረጻ ባይደን ብኣጋኡ ክትዕ ክካየድ ዝደለየትሉ ካልእ ምኽንያት፡ ባይደን ካብቲ ድኹም ብቕዓቱ ንክሓዊ ዝያዳ ግዜ ስለ ዝህቦ እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራት፡ ኣብ ነሓሰ ጉባኤ ከካይዱ’ዮም፤ ኣብዚ ባይደን ኣብ ካልኣይ ናይ ስልጣን ዘመኑ ብዛዕባ ዝህልዎ ራእይ ከቕርብ እዩ።

ኣብ መስከረም ድማ ካልእ መድረኽ ክትዕ ክካየድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

እዚ እንተተኻይዱ፡ ኣብዚ መድረኽ ዘጋጥም ኵሉ ካብ ኣእምሮ እቶም ኣብ ሕዳር ድምጾም ዝህቡ መረጽቲ ዝሃስስ ኣይክኸውንን።

እዚ፡ ንገለ ኣባላት እቲ ሰልፊ ምናልባት እዚ መድረኽ ንባይደን ዝተፈለየ ዕድል ዝፈጥረሉ ክኸውን እዩ ኢሎም ተስፋ ክገብሩ ይኽእሉ።

ገሊኦም ድማ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብቲ ኣብ ነሓሰ ዝካየድ ጉባኤ ከመይ ገይሮም ዝተፈላለየ ሕጹይ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ክሓስቡ ክዀኑ ይኽእሉ።