ብዛዕባ ንዓለም ዘናወጹ ሰነዳት ዊኪሊኪስ እንታይ ንፈልጥ?

ጁልያን ኣሳንጅ መስራቲ ዊኪሊክስ እዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA/Getty Images

ካብ ኢንዱስትሪ ፊልም ክሳብ ሃገራዊ ድሕነትን ውግኣትን ዝሽፍን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምስጢራዊ ሰነዳት ዘሕተመ መስራቲ ዊኪሊክስ ጁልያን ኣሳንጅ ብዝምልከት ንዓመታት ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ክወሃቡ ጸኒሖም’ዮም።

ዊኪሊክስ፡ መንግስታትን ኩባንያታትን ክሓብእዎ ዝፍትኑ ምስጢራት ኣብ ምቅላዕ ወሳኒ ተራ ዘለዎ መርበብ ሓበሬታ እዩ።

እቶም ሰነዳቶም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዊኪሊክስ ዝተቓልዐ ግን እቲ ትካል ሓደገኛ ምዃኑ ይኣምኑ።

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ብዛዕባ ኲናት ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ዝገልጽ ምስጢራዊ ፋይላት ሓበሬታ፡ ኣብ ዊኪሊክ�� ብምሕታሞም ህይወት ብዙሓት ንሓደጋ ከምዝተቓልዐ እዩ ዝማጐት።

ብዝዀነ ካብቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣዘራረብቲ ኰይኖም ዝቕጽሉ ዘለዉ ኣርእስታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።

መጥቃዕቲ ሄሊኮፕተር

ኣብ 2010 ዊኪሊክስ ካብ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ኣመሪካ፡ ኣብ ባቕዳድ ዒራቕ ሲቪላት ክቕተሉ እንከለዉ ዘርኢ ቪድዮ ኣቃሊዑ ነይሩ።

ኣብቲ ቪድዮ ሓደ ድምጺ፡ እቶም ፓይለታት "ንዅሎም ኣቃጽልዎም" ክብል ይስማዕ፤ እቶም ኣብ ጽርግያ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ካብታ ሄሊኮፕተር ካብ ዝትኰሶም ዝነበረ ክኽወሉን ክወድቁን ይርአ።

ሓንቲ መኪና ነቶም ውጉኣት ክትወስድ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሐት፡ ንሳ እውን ካብታ ሄሊኮፕተር ክትኰሳ ይርአ።

ሰኣላይ ሮይተርስ ናሚር ኑር-ኣዲንን ተሓጋጋዚኡ ስዒድ ችማግን ክልቲኦም ኣባላት ስለያ ሰራዊት ኣሜሪካ እዮም።

ኣብ ዊኪሊክስ ዝተጠቅዐ ���ስሊ ሄሊኮፕተር

ምንጪ ስእሊ, Wikileaks

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዊኪሊክስ ዝተጠቅዐ ምስሊ ሄሊኮፕተር

ወተሃደራዊ ስለያ ኣመሪካ

ዊኪሊክስ ብተንታኒት ስለያ ሰራዊት ኣመሪካ ነበር ቸልሲ ማኒንግ ዝሰሎዂ ኣማኢት ኣሽሓት ሰነዳት ኣሕቲሙ’ዩ።

ምስ ኲናት ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝተኣሳሰሩ ሰነዳት፡ ሰራዊት ኣመሪካ ከመይ ገይሩ ኣማኢት ሲቪላት ከምዝቐተለ የቃልዑ።

ካብ ኲናት ዒራቕ ዝተረኸቡ ተወሰኽቲ ሰነዳት፡ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ቍጽሪ ዝዛይድ፡ ልዕሊ 66 ሽሕ ሲቪል ሰባት ከም እተቐትሉ የመልክት። እቲ ሰነዳት፡ እሱራት ብሓይልታት ዒራቕ ከምዝተሳቐዩ እውን የመልክት።

ካብቶም ኣብ ዊኪሊክስ ዝተሓትሙ ምስጢራዊ ሰነዳት ልዕሊ 250 ሽሕ ብዲፕሎማሰኛታት ኣመሪካ ዝተላእኩ መልእኽትታት ይርከብዎም። ኣመሪካ፡ መርመራ ጸላም-ዓይኒ፡ ቅምሶ ዲኤንኤን ኣሰር ኣጻብዕትን ዝርከብዎም ናይ ወሰንቲ ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት "ባዮግራፊያውን ባዮሜትሪያውን" ሓበሬታ ክትእክብ ከም ዝፈተነት ኣቃሊዖም።

መልእኽትታት መጥቃዕቲ 11 መስከረም

ዊኪሊክስ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ 11 መስከረም ዝተላእኩ ኣስታት 573 ሽሕ ዝተጠልፉ፡ ናይ ፔጀር መልእኽትታት ዘርጊሑ ነይሩ።

እቶም መልእኽትታት፡ ስድራ ቤታት ብዛዕባ ዝጭነቑሎም ሰባት ዝሓተቱዎን ዝምልከቶም ክፍልታት መንግስትን ነቲ መጥቃዕቲ ምላሽ ዝሃቡሉን ኣገባብ ዘጠቓልሉ እዮም።

"ኣንፈት መንገዲ እቲ ፕረዚደንት ተቐይሩ ኣሎ፣ ናብ ዋሽንግተን ኣይክምለስን'ዩ፡ ግን ናበይ ከምዝኸይድ ርግጽ ኣይኰነን" ይብል ሓደ መልእኽቲ።

ኢመይላት ዲሞክራት

ዊኪሊክስ ኣብ 2016 ንዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ፡ ካብ ኣካውንት ሓላፊ ጎስጓስ ሂላሪ ክሊንተን ጆን ፖደስታ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዝተበርበሩ ኢመይላት ኣሕቲሙ ነይሩ።

ኣብ ሓደ ካብቶም ኢመይላት ፖደስታ፡ ንመወዳድርቲ ሂላሪ ክሊንተን ዝነበረ በርኒ ሳንደርስ፡ ንውዕል ለውጢ ክሊማ ፓሪስ ብምንቃፉ "ዓሻ" ክብል ገሊጽዎ���

እቶም ኢመይላት ብተወሳኺ፡ ሓደ ኣበርካቲ ሲኤንኤን ኣብ ዘዳለዎ ፈነወ ክትዕ፡ ክሊንተን ብዛዕባ ወፍሪ ሓደ ሕቶ ክትሕተት ምዃና ከምዝሓበሩ የመልክቱ።

እቲ ምስላዂ ዘጋጠመሉ ግዜ፡ “ ዊኪሊክስ ኰነ ኢሉ ስም ክሊንተን ንምጽላም ይፍትን ኣሎ” ዝብል ክስታት ኣስዒቡ ነይሩ።

እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ 2008፡ ሪፓብሊካን ሳራ ፓሊን ዝለኣኸቶ ናይ ያሁ ኢመይል ኣካውንት ዝተረኸበ ሓበሬታ'ውን ዘርጊሑ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ብዝሒ ዘለዎም ኢመይላት ዲሞክራት ወጺኦም ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣባላት ሃገራዊ ሰልፊ እንግሊዝ

ኣብ 2008 ዊኪሊክስ ኣስማትን ኣድራሻን ርክብን ልዕሊ 13 ሽሕ ኣባላት ሃገራዊ ሰልፊ እንግሊዝ’ውን ዘርጊሑ ነይሩ።

ማኒፌስቶ ናይቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ካብ ሃገራት ኣስላም ዝመጽኡ ስደተኛታት ክእግድን ገለ ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ "ናብ ዓሌታዊ መበቆል ዘለዎም መሬቶም" ክምለሱ ዘተባብዕ ሓሳብ’ዩ ኣቕሪቡ።

ዳሕራይ ሓደ ኣባል ነበር ብሰንኪ እቲ ዝሰሎኸ ሓበሬታ 200 ፓውንድ ተቐጺዑ’ዩ።

ዝተበርበረ ስእሊ ሶኒ

ኣብ 2015 ካብ ፊልም ስቱድዮ ሶኒ ፒክቸርስ ዝተረኸቡ ልዕሊ 170 ሽሕ ኢመይላትን 20 ሽሕ ሰነዳትን ኣብ ዊኪሊክስ ተሓቲሞም ነይሮም።

ሶኒ ፒክቸርስ፡ ‘ዘ ኢንተርቪው’ ዘርእስታ፡ ንሰሜን ኮርያ እተላግጽ ፊልም ቅድሚ ምዝርግሑ ቅድሚ ሳምንቲ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኣጋጢምዎ።

እቶም ኢመይላት ከምዘመልክትዎ፡ ተዋሳእቲ ጀኒፈር ሎረንስን ኤሚ ኣዳምስን ካብቶም ኣብ ኣመሪካን ሃስል ዝተዋስኡ ደቂ ተባዕትዮ ዝተሓተ ክፍሊት እየን ረኺበን።

ካብ ኣፍረይትን ኣካየድቲ ስራሕን ንከም በዓል ኣንጀሊና ጆሊ ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ሰባት ዝጸርፉ መልእኽትታት እውን ዘቃልዑ ፋይላት ተዘርጊሖም እዮም።

ሊዮናርዶ ዲካፕሪዮ ኣብ ፊልም ሶኒ ፒክቸርስ ንዝተዋህቦ ተራ ብምንጻጉ "ንዑቕ" ተባሂሉ ነይሩ።

ጁልያን ኣሳንጅ፡ እቶም ኢመይላት፡ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ናይ ሓደ ብዙሕ ሃገራት ዝሓቘፈ ኩባንያ ዘርእዩን "ኣብ ማእከል ጂኦ-ፖለቲካዊ ግጭት" ንረብሓ ህዝቢ ዝዓለሙን ምዃኖም እዩ ዝገልጽ።