ኣብ ኲናት ሱዳን ዝተቐርቀሩ ተጋሩ ስደተኛታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ክሕግዞም ተማሕጺኖም

ስደተኛታት ኣብ መዓስከር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሱዳን መዓስከራት ተነድባን ኡምራቁባን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ይጽጋዕ ብምህላዉ ኣብ ከቢድ ስግኣትን ሻቕሎትን ከም ዝርከቡ ሓቢሮም።

ብፍላይ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ‘ዳዕመ ሰሪዐ’ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ይጽግዑ ኣለው ዝብል ጭንቀት ከምዘሎ እቶም ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ ስደተኛታት ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ፌደራልን ንዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ዝበዝሑ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብ ጐረቤት ሃገር ሱዳን ከምዝሃደሙ ይዝከር።

ኣቦ ሓሙሽተ ቈልዑ ዝዀነ ወዲ 48 ዓመት ወል�� ሓድሽ ሓደ ካብኣቶም እዩ። ንሱ፡ ንዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ኣብ መዓስከር ተነድባ ተዓቊቡ’ኳ እንተጸንሐ፡ ሕጂ ስግኣታት ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ናብቶም ብዓሰርታት ኣሽሓት ስደተኛታት ተዓቊቦምሎም ዝርከቡ መዓስከራት ይጽጋዕ ብምህላዉ ኣብ ልዑል ስግኣት ከም ዝርከቡ ሓቢሩ።

“ናበይ እየ ዝኸዶ? ትማሊ ደቀይ፤ ቤተሰበይ ተረቢሾም ኣብ ብኽያት ኢና ውዒልና። ኣብ ከተማ ተነድባ ዝነበሩ ሱዳናውያን ከይተረፉ ብሰንኪ ስግኣት ገዲፎምና ይሃድሙ ኣለዉ። ሹቕ ዝነበሮም፤ ኣስቤዛ ዝነበሮም ደቂ ዓዲ ጽዒኖም ወጺኦም። ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ ስለዘለና ማለት’ዩ” ክብል ነቲ ዘሎ ኵነታት ገሊጹ።

ኣስዒቡ “ዕጡቓት ንሰባት ብኻራ የፈራርሑ፣ ንነብሰጾራት የጋፍዑ፣ ንደቂኣንስትዮ ይደፍሩን ንመናእሰይ ይቐትሉን። ብፍላይ ንተጋሩ ስደተኛታት ‘ንመንግስቲ ሱዳን ትድግፉ ኢኹም’ ብዝብል ኣሲሮምን ኣጋፊዖምን እዮም” ኢሉ።

ብፍላይ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልቲታት እቲ ስግኣት እናሓየለ ከም ዝመጽአ፡ ቢቢሲ ካብቲ መዓስከር ዘዘራረቦም ስደተኛታት ይገልጹ።

ኣብ መዓስከር ተነድባ ጥራይ ኣስታት 30 ሽሕ ስደተኛታት ይርከቡ። ኣብዚ እዋን ግን እቶም ሓገዛት ሕክምናን ካልእን ዝገብሩሎም ዝነበሩ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት እቲ ኲናት ብዘሕደረሎም ስግኣት ገዲፎሞም ወጺኦም።

ኣደ ሰለስተ ቈልዑ ዝዀነት ኣስቴር ገብረስላሴ፡ እቶም ስደተኛታት ብዕጡቓት ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ግዳያት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ዝሕብሩ መልእኽቲታት ይበጽሖም ከም ዘሎ ተዛሪባ።

“መጺኦም ኣይክገድፉናን። ብፍላይ ተጋሩ ‘ኢድ ኣእታውነት ኣለኩም’ እናተበሃለ ከቢድ ኵነታት እዩ ዘሎ። ተዅሲ’ውን ንሰምዕ ኢና ዘለና። ትማሊ [ረቡዕ] ተጨኒቐ ሓዲረ። ኣብ ገዛይ ምድቃስ ፈሪሐ” ትብል።

እቲ ስግኣት፡ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ግንቦት 2024፡ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመቲ) ዝምርሑ ሓይልታት- ዳዕመ ሰሪዕ - ንሓይልታት ትግራይ ከሲሶም ምን���ሮም ይፍለጥ።

ኣብቲ እዋን “ሓይልታት ህወሓት ብሰራዊት ሱዳን ተዓሲቦም ኣንጻርና ይዋግኡ ኣለዉ” ክብሉ ዘቕረብዎ ክሲ ሎሚ ነቶም ስደተኛታት መንቀሊ ስግኣቶም ኮይኑ’ሎ።

ሓይልታት ሕመቲ፡ ኣብ መግለጺኦም “ሓይልታት ህወሓት ኣብ ጎኒ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ተሰሊፎም ይዋግኡ ከም ዘለዉ ዝገልጽ ጭብጢ ሰኒድና ኣለና” ዝብል ክሲ እዮም ኣቕሪቦም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን፡ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ነዚ ክሲ ብምኹናን ነጺጉዎ ነይሩ። እንተዀነ እቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ተጋሩ ስደተኛታት እዚ ዘንቀሎ ኣብቲ ኲናት ግዳያት ከይዀኑ ከምዝሰግኡ እዮም ዝዛረቡ።

“ኣብ ሕማቕ ኢና ዘለና። ሎሚ ድዩ ጽባሕ ዘይንፈልጥ ግን እቲ ዝገብሩና ኮፍ ኢልና ንጽበ ኣለና። ተኸቢብና ኢና። ንደቂ ዓዲ ዘይገደፍዎም ነዓና እንታይ ኢሎም ክምሕሩና” ዝብል ኣቶ ወልዱ ሓድሽ፡ በዚ ኵነታት ዝተሰናበዱ ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ሰባት ብስንባደ እናወደቑ ሕክምና ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ኣረዲኡ።

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ቅልውላው ምምዝባል ሰባት ዘስዓበ ኰይኑ፡ ልዕሊ 8.9 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክፈናቐሉ ምኽንያት ኰይኑ’ሎ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ሚያዝያ 2023 ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ፡ ዜጋታት እታ ሃገር፡ ወጻእተኛታትን ስደተኛትትን ንዝተፈላለዩ ጸገማት ክቓልዑ ጸኒሖምን ኣለዉን።

እቶም ኣብ መወዳእታ 2020 ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘጋጠመ ኲናት ሓድሕድ ናብ ሱዳን ዝተሰደዱን እቲ ኲናት ጠጠው ምስ በለ ናብ ዓዶም ክምለሱ ዘይክኣሉን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ድማ ኣብቲ ኲናት ተቐርቂሮም ይርከቡ።

መዓስከር ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, MEDHANE

ሓይልታት ሕመቲ፡ ኣብ ዝበዝሕ ከባቢታት ሱዳን ዝነበሮ ምቍጽጻር ይውስኽ ኣሎ፤ዕጡቓቱ ብፍላይ ንምብራቓውን ምዕራባውን ከባቢታት እታ ሃገር ተቘጻጺሮም ከም ዝርከቡ ጸብጻባት የመልክቱ።

እቶም ስደተኛታት’ውን መንግስቲ ሃገሮምን ማሕበረሰብ ዓለምን ቈላሕታ ክገብረሎም ይምሕጸኑ።

ኣቶ ወልዱ፡ “እቲ ተዅሲ ብቐረባ እዩ ዝስማዕ። ሰብ ዝገብሮን ናብ ዝኸዶን ጠፊእዎ’ሎ። መንግስታትን ህዝብን ዓለም ክርእየና፤ መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ከኣ ካብዚ ዘለናሉ መከራን ጸበባን ብቕልጡፍ ከውጽኡና እንተዘይክኢሎም እቲ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሓደጋ እዩ ዘሎ” ክብል ከሎ፤ ኣስቴር ብወገና ስደተኛታት ናብ ካልእ ቦታ ዝውሰዱሉ ኵነታት እንተዝፍጠር ትምሕጸን።

“ናብቲ ኣብ ከባቢ ወሰን ዓድና ዘሎ ሓሸባ ዝበሃል መሬት እንተዝወስዱና፤ ዋላ ኣብኡ ከይድና ምጥማይ ይሓሸና” ትብል - ብኸቢድ ሻቕሎት።

ፕረዚደንት ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብዚ ሰሙን ብማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ��ሕለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድን ስቓይ ሰላማውያን ሰባትን ከም ዘሕዝኖ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ቀረባ እዋናት እቲ ኵነታት ዝያዳ እናኸፍአ ይመጽእ ብምህላው፡ እቲ ኲናት ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ናብ ዝርከባ መዓስከራት ተነድባን ኡምራቁባን ብሓደገኛ መንገዲ ይቐርብ ምህላዉ ከም ዘሻቕሎ’ውን ሓቢሩ።

ብምዃኑ ድማ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ክልቲኦም ተራጸምቲ ወገናት ውግእ ደው ከብሉን ንሲቪላውያን ክከላኸሉን ጸቕጢ ክገብሩ ሓቲቱ።

መንግስቲ ፌደራል’ውን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝበጽሕ ዘሎ ስቓይ ንምግታእ ዝክኣሎ ክገብር ጸዊዑ።