ገዛኦም ካብ ህዋ ብዝወደቐ ፍርስራስ ዝዓነወ ስድራ ካሕሳ ሓቲቶም

ካብ ህዋ ዝወደቐ ኣካል

ኣብ ፍሎሪዳ ዝነብሩ ስድራቤት፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ገዝኦም ካብ ህዋ ብዝወደቐ ፍርስራስ ስለዝዓነወ፡ ትካል ምርምር ህዋ ኣመሪካ (ናሳ) ካሕሳ ንብረታዊ ዕንወትን ኣእምሮኣዊ ጭንቀትን ክኸፍል ሓቲቶም።

እዚ 1.6 ፓውንድ (0.7 ኪሎ ግራም) ዝምዘን ሓጺናዊ ኣካል ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ናፖሊ ኣብ ዝርከብ ገዛ ኣሌሃንድሮ ኦተሮ ንኽልተ ናሕሲ በሲዑ ከም ዝኣተወ ይግለጽ።

እቲ ኣቕሓ ክፋል ናይቲ ዓለምለኻዊ መደበር ህዋ ዝጎሓፎ ኣስታት 5,800 ፓውንድ (2,630 ኪሎ) ዝምዘን ሓጺን ምዃኑ ናሳ ገሊጹ ነይሩ።

ሚስተር ኦተሮ ወዱ ካብቲ መጉዳእቲ እቲ ሓደጋ ንስክላ ከም ዝተረፈ ይዛረብ።

ትካል ሕጊ ክራንፊል ሳመር ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ክሳራ ዕንወት ንብረት፣ ምቁራ�� ንግዳዊ ንጥፈት፣ ስምዒታዊ/ኣእምሮኣዊ ጭንቀትን ካብ ሳልሳይ ወገን ንዝተረኸበ ሓገዝ ዝወጽእ ወጻኢታትን ሓዊሱ ብሰንኪ እቲ ካብ ህዋ ዝወደቐ ኣካል በጺሖም ዝበሎም ማህሰይቲ ይዝርዝር።

ዓቃቢት ሕጊ ሚካ ንጉየን ዎርቲ፡ ፍርስራስ ህዋ "ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምውሳኽ ትራፊክ ህዋ ብምህላዉ ናይ ብሓቂ ዕቱብ ጉዳይ'ዩ" ኢላ።

ንሳ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ዓማዊለይ እዚ ፍጻመ ኣብ ህይወቶም ንዘስዓቦ ጸቕጥን ጽልዋን እኹል ካሕሳ ክረኽቡ ይግብኦም" ክትብል ተዛሪባ።

ኦተሮ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ንሓደ ማዕኸን ዜና ከረድእ ከሎ እቲ ሓጺን ናብ ገዝኡ ክወድቕ ከሎ "ከቢድ ድምጺ" ከምዝፈጠረ ገሊጹ።

"ሽዑ ኣነ ይንቀጥቀጥ ነይረ። ፍጹም ምእማን ኣብዩኒ” ይብል ኦተሮ።

እቲ ሃርድዌር ካብ ህዋ ክእለ ከሎ ኣብ 8 መጋቢት 2024 ናብ ከባቢ መሬት ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ምሉእ ብምሉእ ክቃጸል ትጽቢት ተገይሩሉ።

ይኹን እምበር ሓደ ቁራጽ ክፋሉ ተሪፉ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ገዛ ማህሰይቲ ኣብጺሑ" ይብል ናሳ።

እቲ ፍርስራስ ካብ ምንዳድ ብኸመይ ከም ዝተረፈ "ሰፊሕ መርመራ ክገብር" ምዃኑ’ውን እቲ ትካል ህዋ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ንክሲ ስድራ ኦተሮ መልሲ ንምሃብ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ግዜ ኣለዎ።

ካብ ህዋ ዝድርበ ዘየድሊ ኣካል እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸገም ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከቡ ተዓዘብቲ ሰማይ ኣብ ጠፈር ዝንቀሳቐሱ እንታይነቶም ዘይፍለጡ ወርቃዊ መስመራት ከምዝረኣዩ ገሊጾም ነይሮም።

ድሒሮም ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ እቲ ናይ ብርሃን ትርኢት ሓንቲ ብቻይና እትውነን ሮኬት ካብ ህዋ ምስተኣለየት ዝነድድ ዝነበረ ፍርስራስ ኣካላ ዝፈጠሮ ምዃኑ ኣረዲኦም

ኣብ ወርሒ ለካቲት "ኦብጀክት ኬ" ተባሂላ እትፍለጥ ቻይናዊት ሳተላይት ዳግማይ ናብ ከባቢ ኣየር ክትኣቱ ከላ ኣብ ሰማይ ሃዋይ ምንዳዳ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ምዕራብ ኣውስትራልያ ዝተረኽበ ጉልላት ዝመስል ገዚፍ ሓፂን፡ ኣካል ናይ ሓንቲ ብህንዲ እትውነን ሮኬት ምዃኑ ተገሊጹ ነይሩ።